ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ንሓደስቲ መምህራን ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት
መንግስቲ ቪክቶርያ ንዅለን ስድራ ቤታት ቪክቶርያ እንተላይ ነቶም ዝተፈላለየ ባህላውን ልማዳውን ድሕረ-ባይታ ዘለዎም ውጽኢት ብምምሕያሽ ለውጢ ኸምጽእ ቈሪጹ ኣሎ።
ነዚ መብጽዓ እዚ ንምፍጻም እታ ናይ ዝበለጸት ጅማሮ፣ ዝበለጸ ህይወት (the Best Start, Best Life) ተሓድሶ ነቶም ኣብ ትምህርቲ ቅድመ ቝልዕነት ስራሕ ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ንምስፋሕ ልዕሊ 370 ሚልዮን ዶላር ከውጽእ እዩ።
ካብ መላእ እታ ሃገር ንዝመጹ ልዕሊ 11,000 ተወሰኽቲ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህራን ንምስሓብን ንምድጋፍን ዝተፈላለየ ናይ ሰራሕተኛታት ተበግሶታት ተገይሩ ኢዩ።
ካብ ዝተፈላለየ ድሕረ-ባይታ ንዝመጹ ብቑዓት ሕጹያት ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ሞያ ክሃንጹ ዝደልዩ ገንዘባውን ዘይ ገንዘባውን ደገፍ ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም።
ከመይ ጌርካ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህር ክትኸውን ከም እትኽእል ንምፍላጥ ነዚ ኣብ ታሕቲ ዘሎ ሓበሬታ ርኣዮ።
ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ሞያ ምምዕባል
ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህር ክዀኑ ዝደልዩ ሰባት ዝተፈላለየ ናይ መጽናዕቲ ኣማራጺታትን ገንዘባዊ ደገፍን ክረኽቡ ይኽእሉ ኢዮም። ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናብ ናብ፦ ናይ ቅድመ ቁልዕነት ትምህርቲ ንኸተጽንዕን ንኽትሰርሕን ዝወሃበካ ገንዘባዊ ደገፍ | vic.gov.au።
ብዛዕባ እቲ ኣብ ቅድመ ቝልዕነት ትምህርቲ ዘሎ ስራሕን ዝወሃብ ገንዘባዊ ደገፍን ዝያዳ ሓበሬታ እንተ ደሊኻ ናብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህር ምዃን ዝብል ብጻሕ።
ምቑጻር ስራሕ
ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ስራሕ ምቝጻር በቶም ውልቀ ሰባት ኣካየድቲ ስራሕ ኣገልግሎትን ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ዘቕርቡን ኢዩ ዝመሓደር።
እንታይ ዓይነት ስራሕ ከም ዘሎ ንኽትፈልጥን ካብቶም ኣብቲ ናይ ስራሕ ባይታ ዝሰርሑ ሰባት ናይ ጕዳይ መጽናዕቲ ንኸተንብብን ናብ ወብ ሳይት ስራሕ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ኪድ።
ተወሳኺ ደገፍ ዝህቡ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ እንተ ደሊኻ ናብ ፦ Early Childhood Tertiary Partnerships program | vic.gov.au ብጻሕ።
Updated