JavaScript is required

ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) - ትግርኛ (Tigrinya)

ናይ ስደተኛ ወይ ዕቝባ ደላዪ ድሕረ-ባይታ እንተሃልዩካ ኣቐድም ኣቢሉ ንዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten/ESK) ብቝዕ ክትከውን ትኽእል ኢኻ። ኢኤስኬይ (ESK) ንውሉድካ በብሰሙን እቲ ዝለዓለ ናጻ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ሰዓታት ንኽትረክብ ንኽተረጋግጽ ክሕግዘካ ይኽእል እዩ።

ብኸመይ ከም እትሓትት

ኢኤስኬይ (ESK) ኣብ ኵሉ እቲ ብብቑዕ መምህር ዝወሃብ ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደባት ይርከብ እዩ። ምስ ሓደ ኣብ ጥቓኻ ዝርከብ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብምርኻብን ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት ናይ ገንዘብ ሓገዝ ምርካብ ንኽትክእል ብምሕታትን ንውሉድካ ክተመዝግቦ ትኽእል ኢኻ። ናይ ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ኣገልግሎታት ብቛንቋኻ ምእንቲ ሓገዝ ክትረክብ ናጻ ናይ ትርጉም ኣገልግሎት ክጠልቡ ይኽእሉ እዩም።

ከምኡውን ሓገዝ ንምርካብ ናብቲ ናይቲ ክፍሊ ትምህርቲ ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ናይ ሕቶ መስመር ብ 1800 338 663 ክትድውል ወይ ከኣ ምስቲ ናይ ኸባቢኻ ቤት ምኽሪ ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ። ብቛንቋኻ ሓገዝ ምእንቲ ኽትረክብ ብ 131 450 ናብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ምትርጓምን ምስትርጓምን ክትድውል ትኽእል ኢኻ፣ ነቲ ተርጓሚ ደዊልካ ናብቲ ናይ ከባቢኻ ቤት ምኽሪ ቁጽሪ ወይ ናብ ክፍሊ ትምህርቲ ኽድውለልካ ሕተቶ፣ እቲ ኣስተርጓሚ ድማ አብ እቲ መስመር ኮይኑ ከተርጉመልካ እዩ።

መዓስ ክተመልክት ክም ዘሎካ፦

ህጻናት ኣብታ ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ንኽካፈሉ ዝተመዝገቡላ ዓመት ቅድሚ 30 ኤፕሪል (ሚያዝያ) ሰለስተ ዓመት እንተድኣ ገይሮም ንኢኤስኬይ (ESK) ብቑዓት እዮም። 'መዓስ ከም እትምዝገብ' ርአ።

ውሉድካ ኻብ 1 ጥሪ ኽሳዕ 30 ሚያዝያ እንተ ተወሊዱ ኣየነይቲ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ከም ዝጅምር ክትመርጽ ትኽእል ኢኻ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ወይ 4 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክጅምር ይኽእል እዩ። ውሉድካ ዕድሚኡ 3 ኣብ ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን እንተ ጀሚሩ ኣብታ ዕድሚኡ 5 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር። ውሉድካ ኣብታ ዕድሚኡ 4 ዓመት ዝኾነላ ዓመት ናይ ደቂ ሰልስተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክትልእኾ እንተ መሪጽካ፣ ዕድሚኡ 6 ዓመት ኣብ ዝኾነላ ዓመት ትምህርቲ ይጅምር።

ውሉድካ ንኢኤስኬይ (ESK) መዓዝ ብቑዕ ክም ዝኸውን ንምፍላጥ ሓገዝ ዘድልየካ እንተ ዀይኑ ምስ ክፍሊ ትምህርቲ፣ ምስ ቤት ምኽሪ ኸባቢኻ፣ ምስ ናይ ወለድን ናይ ህጻናት ጥዕናን ኣላዪት ነርስ፣ ወይ ካብቶም ዝስዕቡ ኣብ ከባቢኻ ዘለዉ ውድባት ምስ ዝኾነ ይኹን ክትራኸብ ትኽእል ኢኻ፦

  • ናይ ደቂ ሰለስተ ዓመት ህጻናት ኣጸደ-ህጻናት ናይ ሕቶ መስመር 1800 338 663
  • ብራዘርሁድ ኦፍ ሰይንት ሎረንስ (Brotherhood of St Laurence) 03 9483 1183
  • ፋውልዴሽን ሃውስ (Foundation House) 03 9389 8900
  • ኤፍኬኤ ኣገልግሎታት ቈልዑ (Fka Children’s Services) 03 9428 4471
  • ቪክሴግ ኒው ፊቸርስ (VICSEG New Futures) 03 9383 2533

ወደይ ናብ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ክኸይድ ኣለዎዶ?

እወ፣ ናብ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) ዝኣትዉ ቘልዑ ብናጻ ወይ ብትሑት ዋጋ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ክረኽቡ ይኽእሉ እዮም። እቲ ናይ ደቂ ኣርባዕተ ዓመት ኣጸደ-ህጻናት ወይ ኪንደርጋርተን ካብ 2025 ኣትሒዙ በብቝሩብ ቅድመ-ፕረፕ (Pre-Prep) ይኸውን ኣሎ። ብ2026 ነቶም ከምዚ ዝስዕብ ዝኣማሰሉ ቘልዑ ኣብ ሰሰሙን ክሳዕ 25 ሰዓት ቅድመ-ፕረፕ (Pre-Prep) ክግበረሎም ኢዩ፦

  • ካብ ስደተኛታት ወይ ካብ ዑቝባ ዝሓትቱ ሰባት ድሕረባይታ ዘለዎም
  • ኣቦርጅናውያንን ወይ ቶረስ ስትሬት ደሴታውያን ንዝኾኑ
  • ስድራ ቤቶም ምስ ዕቝባ ህጻናት (child protection) ርክብ ዝነበሮም

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብኢኤስኬይ (ESK) ምምዝጋብ ውሉድካ ኣብ ቪክቶርያ ዝነብረሉ ቦታ ብዘየገድስ ኣብ ሰሰሙን ነቲ ቅድመ-ፕረፕ (Pre-Prep) ዝተገብረ ተወሳኺ ሰዓታት ክረኽቦ ኸም ዝኽእል ውሕስነት ይዀነካ። ስድራ ቤታት ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ኢኤስኬይ (ESK) እንተ ዘይተመዝጊቦም ንቅድመ-ፕረፕ (Pre-Prep) ብቑዓት ይኾኑ እዮም።

Updated