ዓብዪ ትምኒት ንኽህልዎም፣ ደቅና ብሉጽ ጅማሮ ህይወት የድልዮም። መዋእለ ህጻናት (ኪንደር) ናይ ውላድኩም ኣገዳሲ ክፋል ጕዕዞ ትምህርቲ እዩ። ኣብ 3 ዓመት ዕድሚኦም ብቑዕ ናይ መዋእለ ህጻናት ፕሮግራም ምጅማር ንምዕባለ ቈልዑ ጠቓሚ እዩ። ናይ ናጻ መዋእለ ህጻናት ኣብ መላእ ቪክቶርያ ኣብ ዝርከብ ናይ ሰለስተን ኣርባዕተን ዓመት መደባት መዋእለ ህጻናት ኣሎ።
ብዛዕባ ናይ ቪክቶርያ መደባት መዋእለ ህጻናት ኣብ ታሕቲ ብዝያዳ ኣጽንዑ።
ኪንደር (ኣጸደ-ህጻናት) ብኸመይ ከም ዝሰርሕ (How kinder works) - ትግርኛ (Tigrinya)
ብዛዕባ ጥቕምታት ኪንደር፣ ብዛዕባ እቲ ኣብ ኪንደር ዝግበር ነገራት ከምኡውን ብዛዕባ ኣብ ቪክቶርያ ዝርከብ ዓይነት ኣገልግሎት ኣጸደ-ህጻናት ፍለጥ።
ብኸመይን መዓስን ከም እትምዝገብ (How and when to enrol) - ትግርኛ (Tigrinya)
ኣብ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) ብኸመይ ከም እትምዝገብን ብመንግስቲ ቪክቶርያ ተቐባልነት ዝረኸበ ናይ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) መደብ ብኸመይ ከም እትረክብን ዝሕብር ሓበሬታ።
ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) (About Free Kinder) - ትግርኛ (Tigrinya)
ናጻ አጸደ-ህጻናት (ኪንደር) እንታይ ማለት ምዃኑ፣ መን ብቑዕ ምዃኑን ነቲ ገንዘብ ብኸመይ ከም እትረኽቦን ዝገልጽ ሓበሬታ።
ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (Early Start Kindergarten) - ትግርኛ (Tigrinya)
ካብ ስደተኛታት ወይ ዕቝባ ዝሓቱ ሰባት ሓደ እንተ ዄይንካ እቲ ኣቐድም ኣቢሉ ዝጅምር ኣጸደ-ህጻናት (ኢኤስኬይ/ESK) ዝበሃል መደብ እውን ኣሎካ።
ኣብ ናይ ቅድመ ቍልዕነት ትምህርቲ ዘሎ ናይ ስራሕ ዕድላት (Career Opportunities in Early Childhood Education) - ትግርኛ (Tigrinya)
ካብ ዝተፈላለየ ናይ ባህልን ቋንቋን ድሕረባይታ ዝመጹ ናይ ቅድመ ቍልዕነት መምህራን ኣብ ህይወት ቈልዑን ስድራ ቤታትን ለውጢ ይገብሩ ኢዮም።
ኣቕሓ መዋእለ ህጻናት/ኪንደር ኪት (Kinder Kits) - ትግርኛ (Tigrinya)
ካብ 2025 ንነጀው፣ ነፍሲ ወከፍ ኣብ ናይ ሰለስተ ዓመት መዋእለ ህጻናት መደብ ዝተመዝገበ ቈልዓ ናይ መዋእለ ህጻናት ናውቲ ዝሓዘ ቦርሳ (ኪንደር ኪት) ክረክብ ብቑዕ እዩ።
Updated